ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ስሑል ዕውት ዝኮነ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምልቆ ማህፀን የካይድ ከምዘሎ ሜዲካል ዳይሪክቶር እቲ ሆስፒታል ዶክተር አታክልቲ ገሊፆም።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግራይ ንዝኣትዋ 500 ትራክተር ብቐጥታ ናብ ስራሕቲ ሕርሻ ንኽኣትዋ ዘኽእል መስርሕን ቅድመ ምድላውን ከምዝተወገነ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ ማልት ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ትግራይ ሳክራሚንቶን ዝተልኣኸ ልዕሊ 4 ሚልዮንን 189 ሽሕ ብር ሓገዝ ገንዘብ ንግብረ ሓይሊ ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪባ።