“ኣብ ወረዳ ጨርጨር ንዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ስዒቡ ብሕዱር ጠልን መስኖን ንምክሕሓስ ልዕሊ 30 ሄክታር መሬት ዝተዘርአን ዝባፀሐን ኣዝርእቲ ብዕስለ ኣዕዋፍ ሙሉእ ብሙሉእ ጠፊኡ።” – ምምሕዳር ወረዳ ጨርጨር።

ምምሕዳር ወረዳ ጨርጨር ኣብ ዝሃቦ ቃል ከምዝሓበሮ ኣብታ ወረዳ ኣብ እዋን ክራማት ዝነበረ ምቁርራፅ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ብጠልን መስኖን ተሓጊዙ ንምክሕሓስ ሓረስቶት ዘካየድዎ ፃዕሪ ዝነኣድ እኳ እንተነበረ ኣበ ቐረባ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣዕዋፍ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ከቢድ ሓደጋ ከምዘብፀሐን ዛጊድ ልዕሊ 30 ሄክታር ከምዝጠፍአን ኣፍሊጡ።

እተን ዕስለ ኣዕዋፍ ካዜብ ክልል ኣምሓራ ከምዝመፃን ዘብፅሐኦ ዘለዋ ጉድኣት ከቢድ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ምምሕዳር ወረዳ እቲ ወራር ዕስለ ኣዕዋፍ ብኣግኡ ጠመተ እንተዘይተገይሉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ኻልኦት ኸባቢታት ተጋፊሑ ዝኸፈኣ ሓደጋ ናይ ምብፅሕ ተኽእልኡ ልዑል ምዃኑ ኣብሪሁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *