መምህር ሒሳብን ፊዝክስን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኬንያ ዝኾነ ፔተር ታቢቺ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻደ መድረኽ 1 ሚሊዮን ዶላር ቅርሽን ፅዋዕን ተረኪቡ፡፡
ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ዝኾኑ መምህር ፔተር ታባቺ እቲ ሽልማት ንበብ እዋኑ ሓድሽ ታሪክ ተመዝግብ ዘላ ኣፍሪካ ዝርከቡ መናእሰይ ምኻኑን ዓወት ተመሃሮኦም ኣብቲ መድረኽ ከም ዝበፅሑ ገሊፆም፡፡
ዱባይ ማእኸሉ ዝገበረ ነቲ ሽልማት ንሓምሻይ እዋን ዝካየደ ቨርኬይ ፋውንዴሽን እቲ ሽልማት ታባቺ ንዘለዋ ፃዕሪን ተበግሶን ዝተበርከተ ምኻኑ ገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡
0