04 መስከረም 2016 ዓ/ም
ማሕበር ልምዓት መኸተ ትግራይ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ምስ ትካል ጥዕና ፒዝዮኔት ብምትሕብባር 7 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ዊልቸራት፣ ዓራውትን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቢላ ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ብሓገዝ ከምዘረከበት ዋና ፀሓፊት እታ ማሕበር ወ/ሮ ኣስቴር ሓጎስ ሓቢረን።
ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነይ ሃይለማርያም ካልኦት ወገናት’ውን ተግባር እዞም ግዱሳት ወገናት ተኸቲሎም ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ሕ/ሰብ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብፅሒቶም ክፍፅሙ ፀዊዖም።
ኣባላት ማሕበር መኸተ ትግራይ እንግሊዝ ጉዱኣት ኣካል ንምሕጋዝ ዝወሰድዎ ተበግሶ ዝነኣድ’ዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ እቲ ሓገዝ ብፍትሓውነት ከም ዝከፋፈል ኣገንዚቦም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።