7.5 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ግዱሳት ኣባላት ማሕበር መኸተ ትግራይ ዓዲ እንግሊዝ ብሓገዝ ኣበርኪቶም።

04 መስከረም 2016 ዓ/ም

ማሕበር ልምዓት መኸተ ትግራይ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ምስ ትካል ጥዕና ፒዝዮኔት ብምትሕብባር 7 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ዊልቸራት፣ ዓራውትን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣቢላ ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ብሓገዝ ከምዘረከበት ዋና ፀሓፊት እታ ማሕበር ወ/ሮ ኣስቴር ሓጎስ ሓቢረን።

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዶ/ር ተስፋሁነይ ሃይለማርያም ካልኦት ወገናት’ውን ተግባር እዞም ግዱሳት ወገናት ተኸቲሎም ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ሕ/ሰብ ንምቅላል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብፅሒቶም ክፍፅሙ ፀዊዖም።

ኣባላት ማሕበር መኸተ ትግራይ እንግሊዝ ጉዱኣት ኣካል ንምሕጋዝ ዝወሰድዎ ተበግሶ ዝነኣድ’ዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ እቲ ሓገዝ ብፍትሓውነት ከም ዝከፋፈል ኣገንዚቦም’ለው ከም ፀብፃብ ኤመሓት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *