“6,600 ብምሒር ጥሜትን ዓፀቦን ኣብ ድርኩኺት ሞት ኮይኖም ይሰሓጉ ንዝነበሩ ኤርትራዉያን ህፃናት ሓገዝ ሃናፂ ምግቢ ገይረ፡፡” ጉዳይ ህፃናት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)

ካብ ሞንጎ’ቶም ልዕሊ 27,000 ሽሕ ህፃናት ኤርትራዉያን እቶም 6,600 ብምሒር ጥሜትን ዓፀቦን ኣብ ድርኩኺት ሞት ኮይኖም ይሰሓጉ ንዝነበሩ ኤርትራዉያን ህፃናት ሓገዝ ሃናፂ ምግቢ ገይረ፡፡ ጉዳይ ህፃናት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣብ ኤርትራ ካብ ሞንጎ እቶም ዘይተኣደኑ ግዳይ ምሒር ጥሜት ዝኾኑ ህፃናት ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዳይ ምሒር ጥሜት ፣ ዓፀቦን ዋሕዲ ሃነፅቲ መግቢን ዝኾኑ ልዕሊ 27 ሽሕ ህፃናት ሓገዝ ገይረሎም ክብል ጉዳይ ህፃናት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣፍሊጡ፡፡ኣብ ኤርትራ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ብምሒር ጥሜት ፤ ዓፀቦን ከቢድ ዋሕዲ ሃነፅቲ መግቢን ዝተጠቕዑ ዘይተኣደኑ ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንቶም 27,700 ቆልዑ ጥራይ፣ ናይ መግብን ቫይታሚንን ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ጉዳይ ህፃናት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ( UNICEF) ኣፍሊጡ።ጉዳይ ህፃናት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት (UNICEF) ካብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ፀብፃብ ከምዝሓበሮ ካብ ሞንጎ እቶም 27,700 እቶም 6,600 ብምሒር ጥሜት ኣብ ድርኩኺት ሞት ኮይኖም ክሰሓጉ ዝፀንሑ’ዮም።UNICEF ምስ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን፣ ካብን ናብን ቦታታት እናተንቀሳቐሰ ኣብ ዝገበሮ ሓገዝን ክታበት ቆልዑን፣ 50 ሽሕ ብውፅኣት ዝተጠቕዑ ቆልዑ ከምዝሓከመን ንኣስታት 109 ሽሕ ቆልዑ’ውን ቫይታሚን ኤ ተወሳኺ መግቢ ከምዝተዉሃቦም ወሲኹ ሓቢሩ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments