ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ዙርያ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣመልኪቱ ዓቅሚ መዕበይ ስልጠና ሂቡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  13/12/2011) እቲ ዝተወሃበ ኣቅሚ መዕበይ ስልጠና ናይ ሕድሕድ ኣብያተ ፅሕፈት ሓለፍቲ፣ ኣመሓደርቲን ጣብያታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘሳተፈ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት…

ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ዝተዳለወ 5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስቲዮ ትግራይ

(ኤፍኤምመቐለ  13/12/2011) እቲ መበገስኡን መዛዘሚኡን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝነበረ ውድድር ልዕሊ 1500 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮይኑ አትሌት ገነት ሳህለ ካብ ወረዳ እንደርታ 1 ይቲ፣ ኣሰፉ…

7ይ ዓመት ዝኽሪ ብሉፅ መራሒ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ራእይን ክብርታትን መራሒና መለስ ዋሕስ ሕዳሰ ፅንዓትን ዘይተርፍ ዓወትናን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር እዩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)ኣብቲ ዕለት ዝተፈላለዩ ፍፃመታት ብምስላጥ እውን ከምዝኽበር ቢሮለለ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ፀብፂቡ፡፡ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ 14 ነሓሰ 2004 ዓ/ም ከም ዝተሰውኣ ይዝከር፡፡…

ትካላት ድሕንነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብብርኪ ዓለም እናተጋደደ ንዝመፀ ግብሪ ራዕዲ ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)እቲ ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕንነት መረዳእታ ጀኔራል ኮምሽነር ደመላሽ ገብረሚካኤልን ዳይሬክተር ማእከል ምፅራይ ተግባር ራዕዲ ኣሜሪካ ኤፍ ቢኣይ ተፈራሞም፡፡ ሃገራዊ ግልጋሎት…

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዘካየዶ መበል 16 ህፁፅ ኣኼባ ብኮምሽን ሲቪል ሰርቪሰ ተዳልዮም ኣብ ልዕሊ ዝቐረበ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)ብመሰረት እዚ እውን ምዘና መደብ ስራሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብርኪ ምደባን ስኬል ደሞዝን ረቂቅ ኣመልኪቱ ዝቐረበ መምርሒ ከምኡ እውን ስርዓተ ነጥቢ ምዘና ስራሕ ንምስግጋር ኣብ…

ነፋሪት ኩናት መንግስቲ ሶርያ ኣብ ትሕዝቶ ዕጡቓት ኣብ ትርከብ ሰሜናዊ ክፋል ኣድሊብ ተወቒዓ ወዲቓ ተባሂሉ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)እታ ነፋሪት ኩናት ታሕሪር ኣልሻም ብዝተበሃለ ጉጅለ ዕጡቕ ተወቒዓ ምውዳቓ እቲ ጉጅለ ገሊፁ፡፡ ምስ ኣልቃዒዳ ዝተበሃለ ፈጣሪ ራዕዲ ርክብ ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ታሕሪር ኣልሻም እታ…

ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኢፌድሪ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ 3ይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮምሽን ሚኒሰተራት ንምስታፍ ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሖም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  09/12/2011)ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ፣ማሕበረሰባዊ ፖለቲካውን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ምግባረን ይዝከር፡፡ ነዞም ስምምዕነት ማዕቖፍ ምትሕብባር ሓባር ኮምሽን ሚኒስተራት ድማ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 22 ሓምለ…

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቺኩንጉንያ ንምክልኻል ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07/12/2011) ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ክሳብ ሕዚ ቺኩምንጉንያ ዝተበሃለ ሕማም ኣብ 3 ሽሕን 756 ሰባት ከምዝተርኣየ ገሊፁ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሕማም…

ኣብ ብሕማም ኢቦላ ዝተትሓዙ ሰባት ዝተፈተነ መድሓኒት 90 ሚኢታዊ ውፅኢታውነቱ ተረጋጊፁ ኢሎም ተመራመርቲ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07/12/2011) ኣብ ሕማም ኢቦላ ምርምር እንዳገበሩ ዝፀንሑ ጉጅለ ተመራመርቲ ዝበፅሕዎ ውፅኢት ዕላዊ ዝገበሩ እንትኾኑ ፣እቲ ጉጅለ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣርባዕተ ዓይነት ዝተፈላለዩ ኣፋውሳት…

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘይሕጋውያን ሰደተኛታት ዝረኸብዎ ድጋፍ ምግቢ ንምቕራይ ከምዝዓለሙ ተገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07/12/2011) ዶናልድ ትራምፕ ድኻታት ስደተኛታት ቪዛኦም ንምንዋሕን /መንበሪ ፍቓድ /ግሪን ካርድ ንምርካብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ከቢድ ንክኸውን ኣብ ምግባር ዝርከቡ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ምግቢን ፣መንበሪን ንገዛውትን…

ኣብ ተሽከርከርቲ መሳርሒ ቁፅፅር ገደብ ናህሪ ንምግጣም ኣመልኪቱ ዝተሰናደአ መምርሒ ናብ ተግባር ከምዝተሰጋገረ በዓል መዚ መጎዓዝያ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)እቲ መሳርሒ ኣብ ኩለን ተሽከርከርቲ ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ገሊፁ። ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዘፈር ድሕንነት መንገዲ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ምትኩ ኣስማረ ከምዝበልዎ፥ ምኽኒያት ምውፃእ…

ውፅኢት ፈተና መእተዊ ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ 5 ነሓሰ 2011 ዓ/ም ዕላዊ ከምዝኸውን ኤጀንሲ ፈተናን ምዘናን እዛ ሃገር ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)ኤጀንሲ ፈተናን ምዘናን ኢትዮጵያ ውፅኢት ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ፣ 5 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ መርበበ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ ዕላዊ ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ካብ ዝተመዝገቡ ጠቅላላ 322…

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ብር እቶት ከም ዝኣከቡ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ክፍለ ከተማ ሰሜን ኣይተ ገብረሃዋርያ ታደለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን 3 ሽሕን 100 ክራይ መከረይትን 3 ሽሕን 400 ብርኪ…

ቱርክን ኣሜሪካን ኣብ ሰሜን ሶርያ ሓበራዊ ማእኸል መቆፃፀሪ ሰላም ንምጥያሽ ተስማዕሚዐን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)እተን ሃገራት ኣብቲ ስምምዕ ዝበፅሓ ብኣሜሪካ ዝድገፉ ዕጡቓት ኩርዲ ካብቲ ከበቢ ንምውፃእ ወታሃደራዊ ወፍሪ ምጅማራ ስዒበን ዝተበፅሓ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ሚኒስተር ምክልኻል ቱርኪ ሰብ መዚ…