ደርቢ ሕውነት ትግራይ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓድግራት fm-mekelle March 25, 2019 ኣብ ሞንጎ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓድግራትን ዝተሳለጠ መበል 17 ሰሙን ግጥም ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ብናይ ሓባር ውፅኢት 1-1 መፈፀምታ ረኪቡ ፡፡ ንጋንታ ወልዋሎ… Continue Reading
እዋኑ ብሓይሊ እንተይኮነስ ብፍልጠት ፣ብስምዒት ዘይኮነስ ብዝረግዐ መንፈስ ክንምርሓሉ ዝግባእ እዋን እዩ ኢለን ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡፡ fm-mekelle March 23, 2019 ብኣሰናዳእነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝተሰርሑ ስራሕትን ዘጋጠሙ ፀገማትን ዘድሃበ መድረኽ ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ማሕበረሰብ ምፍጣር ከም ዘድሊ… Continue Reading
መንገዲ ኣየር ኢትየጵያ ብኒዮርክ ታይምስን ካልኦትን መራኸብቲ ሓፋሽ ዝወፅእ ዘሎ ፀብፃብ ዝተዛብዐ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡ fm-mekelle March 23, 2019 እቲ ፀብፃብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘሕዘነ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ትካል ኣብረርቲ ቦይንግ 737፣ ቦይንግ ብዘውፅኦን ብኤፍ ኤ ኤ ዝፀደቐን ኣብ ርክብ ኣብ ቦይንግን 737 ኤን… Continue Reading
ኢትዮጵያን ሩስያን ብመንፅር ዘለወን ራእይ ዕቤት ተሓጋጊዘን ዝስርሓሉ እዋን ሕዚ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ፡፡ fm-mekelle March 23, 2019 ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ቪዝቦልድ ካቲንካ ምስ ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝዘተዩ እንትኾኑ ኣብ መፃኢ ራእይ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ትኹረት ምግባሮም ተገሊፁ፡፡ እዋኑ ኢትዮጵያን ሩስያን ዝበለፀ… Continue Reading
ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ታባታት ጎላን ልኣላዊ ግዝኣት እስራኤል ምዃኖም ንቕበለሉ እዋን ሕዚ እዩ ኢሎም፡፡ fm-mekelle March 23, 2019 እቶም ፕረዝደንት ኣብ ገፅ ትዊተሮም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንታቦታት ጎላን ከም ግዝኣት እስራኤል ኣፍልጦ ብምሃብ ንፀጥታን ምርግጋዕን እታ ሃገር ወሳኒ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ መልእኽቲ ትዊተር እቶም… Continue Reading
መናእሰይ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ነፈሲ ወከፍ ኣባል ዝተኣከበ መበገሲ ካፒታል ብምውህላል ብማሕበር ተወዲቦም መነባብርኦም ይልውጡ ከምዘለዉ ተገሊፁ fm-mekelle March 22, 2019 ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ካብ ነፈሲ ወከፍ ኣባል ዝተኣከበ ብር 70 ሽሕ ምስ ካብ ውሕስና ፈንድ ዝተረከበ ብር 100 ሽሕ ብሓፈሻ ብር 170,ሽሕ መበገሲ ካብታል… Continue Reading
ድሕሪ ኣብ ኬንያ ዞባ ቱርካና 10 ሰባት ብጥሜት ምማቶም ዜጋታት መንግሰቲ ንግዳያት እቲ ድርቂ ሸልል ኢልዎም ብምባል ተቃውመኦም የስምዑ ኣለዉ። fm-mekelle March 22, 2019 መንግስቲ ኬንያ 1 ነጥቢ 1 ሚለዮን ሰባት ሕፅረት ምግቢ ኣጋጢምዎም ከም ዘሎ በምሕባር እዚ ቑፅሪ ንቡር ሙዃኑን፡ እቲ ዘጋጠመ ሞት ምስቲ ደርቂ ቀጥታዊ ምትእስሳር ከም… Continue Reading
ኣብ ወረዳ ሓውዜን ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ዝካየድ ወፍሪ ተኸላ ፈልስታት፣ ዘድሊ ቅድመ ምድላው ይውገን ከም ዘሎ ፣ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ ። fm-mekelle March 22, 2019 ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሃነ ሃይላይ ከም ዝገለፅዎ ፣ኣብታ ወረዳ ኣብዚ ዝመፅእ ዘሎ ክረምቲ ኣብ 48 መፋስስ 4 ሽሕን 750 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዓይነት… Continue Reading
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ብቐዳማይ ሚኒስትር ንዝቐረቡ ሽመት ኣባላት ቦርድ ኮርፖሬሽን ኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ፡፡ በዚ መሰረት fm-mekelle March 22, 2019 1. ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ – አካቢ 2.ኣይተ ተፈራ ደርበዉ- አባል 3. ዶ /ር ኤርጎጌ ተስፋዬ- አባል 4.ወ/ሮ የትነበርሽ ንጉሴ- አባል 5.ዑስታዝ አቡበከር አህመድ :-አባል 6.ዶ… Continue Reading
ኣብ መንጎ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይን ዞባ ፈሸካ ሱዳንን ሓቢርካ ንምስራሕን ንምድግጋፍን ዕላማ ዝገበረ ሓባራዊ ዘተ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዞባ ፈሸካ ከተማ ሽወክ ተኻይዱ። fm-mekelle March 22, 2019 ድሕሪ እቲ ዘተ ሰነድ ስምምዕ ‘ውን ተፈሪሙ እዩ። እቲ ካብ 8 ክሳብ 9 መጋቢት 2011 ዓ.ም ዝተኻየደ ዘተ፥ ኣካል እቲ ክልቲኣን ዞባታት በቢሰለስተ ወርሒ እናተራኻባ… Continue Reading
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መእለይ ውሕጅ ደረቕ ጓሓፍ እናመልኣ ጠንቂ ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ይኾኑ ከምዘለው ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ከተማ መቐለ ገሊፆም፡፡ fm-mekelle March 20, 2019 ቤት ፅሕፈት ሓምለዋይ ፅባቐ ከተማ መቐለ ብወገኑ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ፡፡ 0 Continue Reading
ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ንፃውዒት ምትእኽኻብ እቶት ክልል ትግራይ ስዒቡ ካብ መሃይኦም ከምዘወፈዩ ገሊፆም፡፡ fm-mekelle March 20, 2019 ልዕሊ 171 ኣመራርሓ ሰራሕተኛታት ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ 10 መጋቢት 2011 ሓድነት ንልምዓትን ለውጥን ትግራይ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዘካየድዎ ህፁፅ ኣኼባ ኩሎም ኣባላት… Continue Reading
ኩነታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 ነፋሪት ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ዝሐለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኢንዶኖዥያ ምስ ዝትሓምሸሸት ነፋሪት ምምስሳል ከም ዘለዋ ሚኒስተር መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡ fm-mekelle March 20, 2019 ከም ኣገላልፃ እቲ ሚኒስተር ክልቲኤን ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ 8 እየን ኔረን፡፡ ብመሰረት እዚ መቅረፂ ድምፂ ክፍሊ ምቁፅፃር እታ ናይ ኢትዮጵያ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ናብ ፈረንሳይ… Continue Reading
ኣብዞም 6 መዓልታት 235 ኢትዮጵውያን ካብ ታንዛንያ ናብ ሃገሮም ክኣትው እዮም፡፡ fm-mekelle March 20, 2019 እቶም ካብ ትማሊ ጀሚሮም ኣብ ምእታው ዝርከቡ ኢትዮጵውያን ታንጋ ኣብ ዝተበሃለት ከተማ ተኣሲሮም ዝፀንሑ እንትኾን ብምትሕብባር ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሃገራዊ ሓደጋ፣ መንገዲ… Continue Reading
ኣብ ስዑድ ዓረብ ብዘይ ፍቓድ መንበሪ ይነብሩ ዝነበሩ 450 ኢትዮጵውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡ fm-mekelle March 20, 2019 ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ከባብታት ጅዳን ጂዛንን ብዘይካ ፍቃድ መንበሪ ይነብሩ ዝነበሩ ኢትዮጵውያን ብዓርሰ ፍቓዶም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ… Continue Reading