2.4 ሚልዮን ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

  22 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ መደባት ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን፤ ዓውዲ ትምህርቲ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኲናትን ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ዓውድታት ሓደ እኳ እንተኾነ በቲ ዘሎ እታወትን ሓይሊ ሰብን ተጠቂምካ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ካብ ሎምዓንቲ 22 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ጀሚሩ ርእሳነ መምህራን ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ከምዝወሰዱን ካብ 24 ነሓሰ ጀሚሮም ድማ መምህራን ነናብ ምድብ ቦትኦም ሪፖርት ከምዝገብሩ ዝሓበሩ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ ክሳብ 12 መስከረም 2016 ዓ/ም ድማ ተምሃሮ ምዝገባ ከምዘካይዱ ኣረዲኦም።

ፅገና ዘድልየን ኣብያተ ትምህርቲ ፅገና ብምክያድ ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርትን ሓደሽትን ድማ ዳግም ብምህናፅን ካልኦት መሰረታዊ ጠለባት ትምህርቲ ንምምላእ ኩሉ ዝምልከቶ ኣባል ክሰርሐሉ እቶም ሓላፊ ኣብ መግለፂኦም ገሊፆም።

ካብ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ንዝቐረበልና ሕቶታትን ዝተውሃበ መልስን ፅባሕ ክንምለሶ ኢና

# ትብለፅ መዓሾ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *