12 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዓይደር
( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኮለጅ ጥዕና ሳይነስ ሆስፒታል ዓይደር ብዓል ኣሸንዳ ምክንያት ብምግባር ኣሸንዳ ንጥዕና ብዝብል መሪሕ ቃል ዓብይ ጥዕናዊ ትምህርትን ምርመራን ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ከምዘዳለወ ኣፍሊጡ።
እቲ ብምክንያት ብዓለ ኣሸንዳ ተዳልዩ ዘሎ ዓብይ ጥዕናዊ ትምህርትን ምርመራን ካብ ዕለት 13 ክሳብ 14 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ከምዝሳለጥ እውን ንምፈላጥ ተካኢሉ ኣሎ።