ፕሮፌሰር ሙሉጌታ ገብረእግዚአብሔር ይብሃሉ።

ኣብ ሃገረ ሑቡራት ኣሜሪካ ዝነብሩ ሙሁር ትገራዋይ እዮም።

እንታይ ሙሁር ጥራይ ኣብ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎን ኣብ ሳውዝ ካሮላይና ኣብ ዝተደኮነ ዩኒቨርስቲ ዳይሬክተር ኣካዳሚ ሜዲካል ዩኒቨርሲቲ ካሎራይና’ውን እምበር!

ትግራይን ትግራዋይነትን ካብዚ ሐዚ ወዲቕዎ ዘሎ በዳሂ ህሞት ንምውፃእ ዘኽእል ካብ ትሚሊ ንዝሐሸት ሎሚ ኣብ ሎሚ ኮይንና ብዛዕባ ኽንገብሮን ኽግበርን ዝግባእ ሙሁራዊ መፅናዕታዊ ፅሑፎም የቕርቡ’ለዉ።

ትግራይ ካብቲ ሕዚ ዘላትሉ ጭቡጥ ኩነታት ንምውፃእን መዋፅኦ ንምፍጣርን ፈለማ ስምረትን ሓድነትን ትግራይ ወሳኒይ ምዃኑ ብምግላፅ ንስሙር መፃኢ ጉዕዞ ትግራይ ኣማራፅታት ሒዞም ብምምፃእ ሐዚ ምስ ድወት ተላፊኖም መድረኽ ብምስንዳእ ሙሁራዊ ስነ ሓሳቦም የቕርቡ’ለው። ኣብ ናይ ምሸት መደብና ኸነቕርቦ ኢና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *