ፕሮጀክት ጠመተ ዘድልዮም ሕማማት ዋዒ ዕላዊ ኮይኑ !!

29 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣብ ስነ-ስርዓት ምጅማር ምክልካልን ምቁፅፃርን ትኩረት ዘድልዮም ሕማማት ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማንኤል ሃይለ፣ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ኲናት ፅንተት ስዒቡ ምክልካልን ምቁፅፃርን ጠመተ ዘድልዮም ሕማማት ዋዒ ዝስርሑ ዝነበሩ ስራሕቲ ንድሕሪት ከምዝተመለሱ ብምሕባር ሐዚ ብወፍሪ ሕማም ትራኮማ ንምክልካልን ምቁፅፃርን ምስ ላይት ፎር ዘ ዎርልድ ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ዳይሬክተር ላይት ፎር ዘ ወርልድ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኣይናለም ተፈሪ ፣ኣብ ምቁፅፃርን ምክልካልን ዝተረስዑ ሕማማት ምስ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና ዝበላ ኮይነን፣ ኣብ ትግራይ ሕማም ትራኮማ ንምጥፋእ 133 ሚሊዮን ብር በጀት ሒዝና ኣለና ኢለን።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ምክልካልን ምቁፅፃርን ትኩረት ዘድልዮም ሕማማት ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ላይት ፎር ዘ ዎርልድ ብምትሕብባር ኣብ ዞባታት ደቡብን ደ/ምብራቕን እናሰርሑ ከምዝመፁ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮግራም ሐዚ ናብ ዞባታት መቐለ ፣ምብራቕ፣ ማእከልን ሰ/ምዕራብን ንምግፋሕ ዘኽእል መድረኽ ዕላውነት ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብ ምቁፅፃርን ምክልካልን ዝርገሐን ሓደጋነትን ጠመተ ዘድልዮም ሕማማት ዋዒ ቆላሕታ ዝጠልብ ምዃኑ እናተገለፀ መፅዩ እዩ።

# DW

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *