25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
እቲ ምይይጥ ብፍላይ ኣብቲ ንሚልዮናት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ክወድቁ ዝገበረ ኩነታት ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፍጽም ዝኽእለሉ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፣ ዶክተር ራሚዝ ቃል ከምዝኣተወ’ውን ፕሬዝደንት ጌታቸው ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ንትግራይ ዘጋጥማ ዘሎ ጉዳይ ተመዛበልቲ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ሕርሻ፣ ድርቂ፣ ኣንበጣ ምድረበዳን ካልኦት ብድሆታትን ኣብ ምፍታሕ ንምሕጋዝ ድልውነት ከምዘሎ ከምዝገለፀሎም ሓቢሮም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት ፀብፂቡ።