ፕረዝደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ እታ ወረዳ ዘትዮም ።

ብግድብ ምሕፃብ ኣዝማትን ካልኦት መማረፂታት ማይን ኣብ ኣርባዕተ ጣብያታት ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዝለምዕ ዘሎ ሰፊሕ ልምዓት መስኖ ተዘዋዊሮም ድሕሪ ምዕዛብ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ዝተርኣየሉ ልምዓት ከም ዝኾነን ናብ ኩሉ ክሰፍሕ ከም ዝግበኦን ሓቢሮም ።

ተወከልቲ ህዝቢ ብጊደኦም ጉዳይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበርን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ዝኸፍአ መከራ ወዲቑ ንዘሎ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክምለስ ይግባእ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶን ርኢቶን እቶም ነበርቲ ኣቕሪቦም ።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ መብርሂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሉኣለውነት ትግራይ ክኽበርን ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ክምለሱን ሓድነትና ኣጠናኺርና ሰለማዊ ፃዕርና ክንቐፅል ይግባእ ኢሎም ።

ኣብ ጉዳይ ፀጥታን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ኣመልኪቱ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣይተ ጌታቸው እንተብርሁ እዚ ንምፍታሕ ይስራሕ ምህላውን ህዝቢ ዘሳተፈ ስራሕ ብምስራሕ እዞም መሕፈርቲ ተግባራት ጠጠው ክነብሎም ኣለና ክብሉ አረዲኦም ።

ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ መሪሕነት ክቕፅል ሰላምናን ልምዓትናን ክሰፍሕን ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣተሓሳሲቦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *