ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራል ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ጉዳይ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልትን ኣድሂቦም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ከምዝዘተዩ ተገሊፁ።

ኣብዚ ሓበራዊ ዘተ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመሰገን ጥሩነህ፣ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ድሕነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ርእሳነ ምምሕዳር ትግራይን ኣምሓራን ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ጉዳይ ዘይተመለሰ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ንዝለዓል ሕቶን ኣገባብ ኣፈፃፅምኡን ከምዝተገምገመ ማዕኸናት ዜና ፌደራል ፀብፂበን ኣለዋ።

ብዛዕባ ዘየመናትእ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ “ንዝለዓሉ ምስሕሓባትን ሕቶ ይግበኣንን ብመሰረት ሕገመንግስታዊ መስርሕ ቁልጡፍ ዕልባት ከይተውሃበ ምፅንሑ ዘንጊዑ’ዩ” ኢሎም ከምዝገምገሙ ዘቃልሓ እተን ማዕከናት ዜና

” ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ሕቶ ይግበኣኒ ንዘለዎም ከባቢታት ብመሰረት ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ንምፍታሕ ብደረጃ ሃገር ኮሚቴ ተጣይሹ ኣሎ።” ክብላ ፀብፂበን።

ኣብ ሓፂር ግዘ ንተመዛበልቲ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ብዝፍፀመሉ ኣገባብ ኣብ ምትእምማን ክብፃሕ ከምዝኽእል ዋላ’ኳ ሓሳብ ቀሪቡ እዩ እንተበላ እተን ማዕኸናት ዜና ፤ ከመይን ብኸመይን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዕልባት ንምሃብ ከምዝተሓሰበ ግን ብንፁር ዝበለኦ ነገር የለን።

“ብመሰረት እቲ ገምጋም ኣብ መስርሕ ኣፈፃፅማ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት ተፈልዮም ሕቶ መንነትን ይግበኣንን ዘለዎም ከባቢታት ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ብቕልጡፍን ብቐዋምነትን ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ሎ።” ክብላ ድማ ኣቃሊሐን ኣለዋ።

እቲ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣስምዩ ዘሎ ኣካል መዓዝን ከመይን ከምዝተጣየሸ ዝተውሃበ ንፁር ሓበሬታ ከምዘየለን እንተኾነ ግን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንፈለማ እዋን ሓበራዊ ዘተ ተኻይዱ ከምዘሎ ግን እተን ማዕኸናት ዜና ፀብፂበን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *