ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ጌታቸው ምስ ኣባላት ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃኢ ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣፈፃፅማ ዉዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ዛዕባታትን ኣድሂቦም ዘትዮም።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ተግባራዊ ብዘይምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እዉን ምሉእ ሰላም ክረክብ ከምዘይከኣለ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዘረድኡ ኣይተ ጌታቸው ሐዚ እዉን ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን መሬት ትግራይ ጎቢጦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ይፍፅሙ ምህላዎም ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ድማ ሰቓይ ህዝቢ ትግራይ ንኸብቅዕ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክብ፣ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክረጋገፅን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ብሓፈሻ ድማ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኩሉ ሓጋዛይ ክኸዉን ይግባእ ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወገኑ ንቲ በፂሑ ዘሎ ኩለ መዳይ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣድላይ ዘበለ ሓገዛት ከምዝገብር ምግላፁ ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *