ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ጉዳያትን ሎሚ ቕነ ብዛዕባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌደራል ዝተኻየደ ኣኼባን ኣድሂቦም ሐዚ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ይህቡ’ለው።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ዛጊድ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝዓመሞም ዕማማትን ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ካልእን ኣድሂቦም ምስ መንግስቲ ፌደራል ከምዝገምገሙ ድሕሪ ምግላፅ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብዛዕባ እናካየዱዎ ዝቐነዩ ኣኼባ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ዝሰርሖም ስራሕቲ፣ ትግበራ ውዕሊ ስምምዕ ሰላም ፣ምምለስ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብ ህውሓት ምሰ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዘተሰላጠ ዘተ ከምዝተልዓሉ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብወገን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዋላ እኳ ዝተሰርሐ እንተሃለወ ብዙሓት ዕማማት ይተርፉና እዮም ዝበሉ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ህልውና ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ፣ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ እናተሰርሐ ከምዝመፀን ስራሕቲ ልምዓት ብዝተዋደደ መልኩዑ ንምስራሕ ድማ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *