ፕረዚዳንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ካብ መንበረ ስልጣኖም ክእለዩ ዝሓትት ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከተማ ካይሮ ሓዊሱ ኣብ 5 ዝተፈላለያ ከተማ እታ ሃገር ቡርቱዕ ሰልፊ ተቓዉሞ ተወሊዑ፡፡

እቶም ንፕረዚዳንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ካብ መንበረ ስልጣኖም ንኽእለዩ ዝሓተቱ ሰልፍታት ተቓዉሞ ግብፃዉያን ኣብ ከተማታት ግብፂስዊዝ ፤ካፈር ኤል ዳዋር ፣ ናይል ዴልታ ፣ ካይሮ ፣ አሌክሳንድሪያን አስዋንን ሓያል ተቓዉሞ ከምዝወልዑን ከም ዉፅኢቱ ድማ ንመንበሪ ገዛ ፕረዚዳንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ከምዘቓፀልዎን ተረጋጊፁ’ሎ፡፡ ሓይልታት ፀጥታ ግብፂ ኣብ ልዕሊ እቶም ንተቓዉሞ ዝወፁ ሰልፈኛታት ንምብታን መጥቃዕቲ ምፍናዎም ስዒቡ ኣብ ልዕሊኦም ሓያል ግብረ መልሲ ምድርባይ ኣእማን ምስተፈነወሎም እቶም ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ነብሶም ንምድሓን ክሃድሙ ከለዉ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብማሕበራዊ ሚድያ ከምዝተዘርገሐን ማዕከን ዜና ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ፡፡ርእሰ ከተማ ሃገረ ግብፂ ካይሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ዝተወልዐ ሓያል ናዕቢ ስዒቡ ዝበዝሓ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ህዝቢ ከምዝተዓፀዋ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና እቲ ሓያል ተቓዉሞ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ፕረዚዳንት ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ዘቕነዐ ሎሚ ተወሊዑ ዘሎ ፤ መሓመድ ዓሊ ዝተብሃለ ግብፃዉን ፉሉጥ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍን ዉልቀ ሰብ ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ኣብታ ሃገር ንዘሰጉምዎ ዘለዉ ምጉዳል ፍትሒ ፤ ህዝቢ ኩሉ ወፂኡ ካብ መንበረ ስልጣኖም ንኽእለዩ ብሰልፊ ተቓዉሞ ንኽሓትት ብዘመሓላለፎ መፀዋዕታዩ ክብል ኣፍሊጡ፡፡ንቲ ዝቐረበ መፀዋዕታ ስዒቡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ተቓዉምኡ ንምግላፅ ከምዝወፀን መንግስቲ ኣል ሲሲ ንኣስታት 4ሽሕ ዜጋታቱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments