ፕረዚዳንት ነበር ሑቡራት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንዝተኸሰሱሉን ብምትላልን ምጥፍፋእን ጥፍኣተኛ ተባሂሎም ንዝተበየነሎም ገንዘብ ክመልሱን ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብ464 ሚልዮን ዶላር ዝወሓስ ትካል ከምፅኡ ንዝተውሃቦም ትእዛዝ በቲ ዝተጠቐሰ መጠን ገንዘብ ዝወሓሶም ኣካል ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ፡ ምስቲ ኣብ ኒውዮርክ ተኸፊትሎ

ዘሎ ጉዳይ ምጥፍፋእ ብዝተሓሓዝ ብምልኡ እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ክኸፍሉ ወይ ድማ ክሳብ መስርሕ ይግባይ ዝውዳእ ብቦንድ ዝውሓሶም ትካል ኸቕርቡ”ዩ ብቤት ፍርዲ ተኣዚዞም።

ኣብ ውሽጢ 6 መዓልታት ዋሕስ ከረክቡ እንተዘይኪኢቡሎም ግን ኣምሳያኡ ገለ ካብ ኣባይቱ ብኣኽበርቲ ሕጊ ክታሓዝን ክሽየጥን ከምዝኽእል ተነጊርዎም’ሎ ክብል

ማዕኸን ዜና FOX NEWS ፀብፂቡ።

See insights and ads

Boost post

All reactions:

8484

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *