ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ሴናተር ኣመሪካ ኮሪ ቡከር ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምጅማር ኣብ ዘክእሉ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም።

21 ሓምለ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣይተ ጌታቸው ኣብ ገፅ ትዊቶሮም ኣብ ዘስፈርዎ መለእክቲ ከምዝበለዎ ኣብ ትግራይ ተቃሪፁ ዘሎ ድጋፍ ሰብኣዊ ረድኤት ዳግም ንምጅማር ኣብ ዘክእሉ ጉዳያትን ዝግበሩ ፃዕርታትን ኣመልኪቶም ምስ ሴናተር ኣሜሪካ ኮሪ ቡከር ሓፂር ዘተ ኣካይድና ክብሉ ገሊፆም ።

ሰነተር ኣሜሪካ ኮሪ ቡከር ናብ ትግራይ ዳግማይ ሰብኣዊ ሬድኤት ንምጅማር ኣብ ዝግበር ምንቐስቓስ እጃሞም ከምዝፍፅሙ ቃል ኣትዮም እዮም ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብዚ ብተወሳክ እውን ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንከን ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተሓጋጋዚት ፀሓፊት ጉዳያት ኣፍሪካ ሞሊ ፊ ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኢሉ እውን ምስ ኣጠቓላሊ ዓለማዊ ገበናዊ ፍትሒ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢን ኣዝዩ ፅቡቕ ዘተ ኣካይድና ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም እዮም ።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ፣ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት ዘተፈፀሙ ገበናት ተሓታትነትን መሰጋገሪ ፍትሕን ብሰፊሑ ከምዝዘተየሉ ኣብ ገፅ ትዊቶሮም ዘስፈሩ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሰለዚ ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል ተረኪቡ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ንድሕሪት ከይምለስን ጥቡቕ ርክብ ንምፍጣርን ዘለና ተወፋይነት ደጊምና ኣረጋጊፅና ኢና ክበሉ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *