( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ብስርቂ፣ ብጉሕለትን ብስኣን ሰናይ ምሕደራን ህዝብና ሰንሰን ዘብሉ ቆራዲድ ገፆም ይከወል ምባል ጥራሕ ከይኮነስ ካብ ዝኾነ ይኹን መሓውር ክእለየሉ ዝኽእሉ ኩነታት ክንፈጥር ግድን እዩ።
ከም መራሕቲ ታይ ስለዝገበርና፣ ወይ ስለዘይገበርና ኣብዚ ናይ ፅንተት ሓደጋ’ዚ ጥሒልና ዝብል ውራይ ንፅባሕ ከይበልና ብኣደባባይ ክንፍትሽ፣ ልዕሊ ኩሉ ክንንሳህን ክንማሃርን ግን ድማ ብስሩዕ ተሓታትነት ንምርግጋፅ ብዘኽእለና መንገዲ ክንዝትየሉን ብዘይንሕስያ ክንጋፈጦን ዝግበአና ቀንዲ ዛዕባና ክኸውን ይግባእ።