16 መስከረም 2016 ዓ/ም
ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳን ኣምባሳደር ማኑኤል ሳላዛርን ሎሚ 15 መስከረም 2016 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሐፈት ፕረዚደንት ዝተመያየጡ ኮይኖም፣ እዋናዊ ኩነታት ክልልና ብዝምልከት ብፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ መብርሂ ተወሃብዎም’ዩ።
ኣምባሳደር ማኑኤል ሳላዛር ብወገኖም መንግሰቶም ኣብ ዘፈራት ጥዕና ፣ ሕርሻን ትምህርታዊ ስልጠናን ፕሮጀክትታት ብምሕንፃፅ ክሕግዙ ከምዝደልዩን ቅድም ክብል ኣብ ሽረን ኣክሱምን ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ዳግም ንምጅማር ከምዝተዳለዉን ገሊፆም እዮም፡፡
እቶም ኣምባሳደር እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ድማ :
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ግዚያዊ ምምሕዳርን ዝተጀመረ ከይዲ ሰላም ክዓሙቕ፣ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕን ዘላቒ ሰላም ክመፅእን ከምዝሕግዙን ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ሓቢሮም ከምዝሰርሑን ፣
-ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ውሑስ ህይወትን ክነብሩ ከምዝድግፉን
– እቲ ብክቡር ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝቐረበ መልእክቲ እውን ናብ መንግስቲ ሃገሮም ከምዘሕልፉ ቃል ኣትዮም እዮም፡፡
ኣብ መወዳእታ እቶም ኣምባሳደር ናይ ሓደ መዓልቲ ፃንሒቶም ዛዚሞም ሎሚ ኣማስዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመለኽት ።