ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደል ቓድር መበል 1498 ዓመት በዓል መዉሊድ ነብዩ መሓመድ ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሰናይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

16 መስከረም 2016 ዓ/ም

ህዝበ ሙስሊም በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ እንተኽብር ዘለዎ ብምክፋልን ብምትሕግጋዝን ክኸውን ፕሬዚዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብድልቓድር ኣገንዚቦም።

ብፍላይ ድማ በዓል መዉሊድ ኣብ እነኽብረሉ እዋን ካብ ምዉቕ መረበቶም ተፈናቒሎም ኣብ ከቢድ ሓሳረ መከራ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናትና ብምሕጋዝ ክኽዉን ይግባእ ኢሎም፡፡

በቲ ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ካብ ዓሚ ሎሚ ብዝሓሸ መንገዲ እቲ በዓል ክነኽብር ክኢልና ኢና ዝበሉ ሸኽ ኣደም ዓብደልቓድር እዙይ ተጠናኺሩ ክቕፅልን እቲ ከይዲ ሰላም ሙሉእነት ክህልዎን ድማ ኩሉ ክሰርሐሉ ምዒዶም ከም ፀብፃብ ኤመሓት፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *