እቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ ብመሰረት ሐዱሽ መስርሕ መሸጣ ሲሚንቶ ተመን ዋጋ ችርቻሮ PPC ሲሚንቶ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።
ብመሰረት እቲ ሐዱሽ መስርሕ መሸጣ ሲሚንቶ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሲሚንቶ ክዕድጉ ፣ ክከፋፍሉን ክችርችሩን ፍቓድ ዝተውሃቦምን ውዕሊ ዝኣሰሩን ኣካላት ፤ብችርቻሮ ዝሸጡሉ ተመን ዋጋ በዚ መምርሒ’ዚ ኽቕየዱ ኣፍሊጡ’ሎ ።
እዚ ተመን ዋጋ ናይ PPC ሲሚንቶ ጥራሕ ኮይኑ ናይ ትራንስፖርት ፣ መኽዝንን ምምሕዳራዊ ወፃኢታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ዝወፀ ሓድሽ ናይ ችርቻሮ ዋጋ ሙኻኑ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሓቢሩ።