ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ብ ምግባረ ሰናይ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ትእምት ኣቢሉ ብሰንኪ ድርቂ ዘስዐቦ ጥምየት ኣብ ሓደጋ ሞት ንዝርከብ ህዝብና ንምድሓን 50 ሚልዮን ብር ሓገዝ ኣበርኪቱ ።

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ዛጊድ ን ደበስ ስድራ ስወኣት ዝውዕል 550 ሚልዮን ብር ፣ ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ጉድኣት ኣካል ኲናት 100 ሚልዮን ብር ከምኡ’ውን ንተመዛበልቲ ወገናትና ዝውዕል 50 ሚልዮን ብር ሓዊሱ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ልዕሊ 1.2 ቢልዮን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ይዝከር ክብል ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ገሊፁ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *