ፊሊፒንስ ብሓያል ህቦብላ ተወቒዓ።

“ጎኒ” ዝበሃል ብሓያል ህቦብላ ዝተሓገዘ ዝናብ ንፊሊፒንስ ኣዕርዩ ሃስዩዋ ከምዘሎን እቲ ህቦብላ 225 ኪሜ ብሰዓት እናተሓምበበ ብሓያል ንፋስን ዝናብን ኣብ’ታ ዓዲ ከቢድ ዕንወት ከምዘዉረደን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
በቲ ሓደጋ ዛጊድ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊፁ’ሎ።
መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮምን መገድታት ድማ ብማይ ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።
ፊሊፒንስ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2013 ዓ.ም.ፈ. ዘጋጠማን ኣስታት 6000 ሰባት ዝቐተለን ቡርቱዕ ህቦብላ ‘ሄይያን’ ስዒቡ ዝተርኣየ ከቢድ ህቦብላ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ’ሎ።
ብፍላይ ኸኣ ድሕሪ’ቲ ህቦብላ ርክብ ብምቁራፁ ድሃያ ክርከብ ኣብ ዘይተኽኣለት ኣስታት 70 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቪራክ ሓያል ዕንወት ወሪዱ ከይኸውን ስግኣት ኣሎ።ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ይርከቦም።


0