“ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶንዮ ጋሊንዶ መንግስቲ ፍቓድ ኣብዘይሃቦ ቦታ ክፅብፅብ ስለዝረኸብኩዎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒለዮ’ኹ።” – መንግስቲ ፌደራል።

“ንሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ሞያ ጋዘጠኝነት ተዋፊርካ ተረኺብካ ተባሂሉ ምእሳሩ መስሓቒ’ዩ።” – ፈረንሳይ።

ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ኣንቶን ጋሊንዶ ብዘይ ፍቓድ ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያትን መንግስቲ ፍቓድ ኣብዘይሃቦን ቦታ ክፅብፅብ ስለዝረኸብኩዎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ገይረዮ’ለኹ ክብል መንግስቲ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ጋዜጠኛ ኣንታን ጋሊንዶ ንመበል 37 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ንምሽፋን ፍቓድ ረኺቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ድሕሪ ምግላፅ ምስ ዝተፈላለዩ ተናሓናሕቲ ውድባት ተራኺቡ መረዳእታ ይእክብ ነይሩ ክብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎ ኣብሪሁ።

መንግስቲ ፈረንሳይ ብወገኑ ንሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ሞያ ጋዘጠኝነት ተዋፊርካ ተረኺብካ ኢኻ ተባሂሉ ምእሳሩ መስሓቒ’ዩዋ ብህፁፅ ክፍታሕ ኣለዎ። ብሱሩ’ውን እቲ ዝቐርብ ዘሎ ምኽንያት ጉልባብ’ዩ። ብዘይ ቅድመ ኹነት ክፍታሕ ድማ ሓቲቱ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *