14 ሓምለ 2015 ዓ.ም
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን
ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ሓምለዋይ ልምዓትን ፅባቐ ከተማታትን ኣይተ ኣዳነ ገ/ፃድቕ ከም ዝበልዎ ብዋናነት ውራይ ፅሬት ከተማታት ብተሳትፎ ሕብረተሰብ እዩ ዝዕወት ብሓደ ገፅ መንግስቲ በጀት ብምብጃት ጉሓፍ ዝእለየሉ ኩነታት እንትህሉ፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ዝሳለጥ ውሱን ጅማሮ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ሕብረተሰብ ብምርካብ ጎስጓስ ብምክያድ ግንዛበ ሕብረተሰብ ንምዕባይ ዝፍተነሉ ኩነታት ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፣ ይኹንምበር እቲ ብመንግስቲ ዝካየድ ምእላይ ጉሓፍ ሕፅረት በጀት ብምህላዉ ኣብ ከም መንግስታዊ ትካላት፣ ክፍቲ ቦታታት ወይ ድማ ኣብ ኣስፋልት ዝርከቡ ጉሓፋት ክለዓሉ ዝፍተን ኩነታት ከምዘሎ ሓቢሮም።
ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ዕንወት ተዛሚዱ፣ ቑፅሮም ዘይነዓቕ ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ዝነበሩ መሓውር እዚ ቢሮ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ስርሖም ዘይምምላሶም፣ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲ እውን በቶም ወረርቲ ሓይልታት ስለዝዓነዋን ዝተጉሓላን ሕፅረት በጀት ስለዘሎን ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ከተማታት ከቢድ ፅልዋ ኣሕዲሩ እዩ ዝገለፁ ኣይተ ኣዳነ፣ እቶም ፀገማት ክሳብ ዝፍትሑ ግና ጉሓፉ ኣብ ማእኸል ፅርግያን ሰብ ዝነብረሉን ከባቢ ዝድርበየሉ ኩነታት ተመሊሱ ነቲ ሕብረተሰብ ስለዝጎድእ ዓርሱ እቲ ሕብረተሰብ ብዝተዋደደ ኣገባብ ክሰርሓሉ፣ጉሓፍ ኣብ ግቡእ ዘይኮነ ቦታ ዝድርብይ ሰብ ክእረም ብምግባር ኮታስ ፅሬት ከተማታት ኣብ ምሕላው ግደ ነበርቲ ዝዓዘዘ ብምዃኑ ኩሉ ከም ሓደ ወፊሩ ኣብ ሓለዋ ፅሬት ከባቢኡ ትኩርን ግዱስን ብምዃን ከባቢኡ ዘፅርየሉን ጓሓፍ ብኣግባቡ ዝኣልየሉን ኩነታት ክፍጠር ከምዝግባእን ብፍላይ ኣብ ከባቢ 20 ሜትሮ ሬድያስ ርሕቀት ሕድሕድ ነባራይ ብምፅራይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ እኳ እንተኾነ ሙሉእ ብዘይምዃኑ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ብምዝያድ ክስራሕ ከምዘለዎ እቶም ዳይሬክተር ወሲኾም ኣገንዚቦም።
ኣብ መወዳእታ እዋኑ ክራማት ምስ ምዃኑ ተዛሚዱ ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ሕማማት ብኣጋ ንምክልኻል፣ ሕብረተሰብ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ጉሓፍ በብከባቢኡ ከይድርብን ከይድርበን ከምኡ እውን ናብ መኸዲ ውሕጅ ቱቦታት ዝድርበይ ጉሓፍ ከይህሉ ብትሪ ብምኹናን ኣብ ምፍጣር ፅሩያት ከተማታት እጃም ሕብረተሰብ ክብ ክብል እቶም ዳይሬክተር ፀዊዖም እዮም ክብል ቤት ፅሕፈትጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ፀብፂቡ ።
104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

