ጥዕና ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንፋዕ ንዘይሩጉዑን ተለዋዋጢ ኩነታት ኣየር ስዒቡ ከጋጥም ንዝኽእል ንምቅላልን ጥዕና ንኹሉ ኣብ ኩሉ ንምርግጋፅን ዕውት ዘተ ከምዘካየደ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንከይዲ ኣኸባ ፈፃሚ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ምዝዛሙ ስዒቡ ሐዚ ኣብ ዕላዊ ገፆም ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ ከምዝሓበርዎ ኣብ ዓለምና ዝተፈላለዩ ወጥርታት ሰማይ ዓሪጉ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣባላት ሃገራት ኣብ ዘተ ጥዕና ብዕምቆት ተዋፊረን ምህላወን ክምስገና ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ህፁፅ ኩነታት ጥዕና ቀልቢ ሂብካ ምዝታይ ንሶም ንዘመርሕዎ ትካል ጥዕና ዓብይ ደገፍ’ዩ ዝበሉ ዶክተር ቴድሮስ ንቐፃሊ እቲ ትካል ጥዕና ዓለም ክረኽቦም ወጢንዎም ንዘለው መደባት ደገፍ ኣብ ምርካብ ዑዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

እቲ ንሰሙናት ዝወሰደ ኣኼባ ፈፃሚ ቦርድ

ጥዕና ማሕበረሰብ ንምድንፋዕ ንህሉው ዘይሩጉዕ ኩነታት ኣየር ንምቅላልን ጥዕና ንኹሉ ንምብፃሕን ንምርግጋፅን ዘኽእል ዕውት ዘተ ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ጥዕና ናብ ሰላም ዝወስድ ክፉት መሰጋገሪ ድልድል ኮይኑ ኽቕፅል ተስፋ ይገብር ክብሉ ዶ/ር ቴድሮስ ወሲኾም ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *