ጎና ጎኒ ምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ኩሎም ዝራእቲ ምእካብ ከም ዘድሊ ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ኣፍሊጡ፡፡

ማእኸል ምርምር ሕርሻ ኣኽሱም ምስ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ወረዳ ኣሕፈሮም ብምትሕብባር ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ እንዳማርያም ዝተመሓየሹ ዓሌታት ስርናይ ብስፍሓት ስራሕቲ ምፍላጥ እናካየደ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምግላፅ ዝራእቲ ኩሎም ክእከቡ ሞያዊ ማዕድኡ ለጊሱ፡፡ ብምርምር ዝወፁ ዓሌታት ስርናይ ኦጎልቾ (ንእኹል ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ዝኸውን ዓሌት)፣ መቐለ-1(ንሕፅረት ጠሊ ዘለዎም ከባቢታት ዝኸውን ዓሌት ስርናይ) ኣብ ወረዳ አሕፈሮም ጣብያ እንዳማርያም ኣብ 62 ሓረስቶት ኣብ 15.75 ሄክታር ስፍሓት መሬት 23.27 ኩንታል ሙሩፅ ዘርኢ ብምቅራብ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ከም ዝሰርሐ ዝሓበረ እቲ ምርምር ማእኸል እዞም ዝራእቲ ምስ ሰብ ሞያ ብምዃን ህዝቢ ከቲቱ ዝራእቱ ዝእከበሉ ኩነታት ክመዓራረ ይግባእ ክብል ሓቢሩ፡፡እቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ብምዕባለ ሙሩፅ ዘርኢ ምብዛሕን ዕደጋን ዩኔን ዑደት ተኻይድሉ ብሓረስቶት ልዑል ተቀባልነት ዝረኸበ እንትኸውን፣ ንቀፃሊ ምዕባለ ሙሩፅ ዘርኢ ምብዛሕን ዕደጋን ዩኔን ብስፍሓት ዘርኢ ንኸባዛሕ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ከም ዘሎ እቲ ምርምር ማእኸል ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ ከም ፀብፃብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments