ግደ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ።

ብ ሂዩማን ራይትስ ዎች

10 መስከረም 2016 ዓ/ም

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ሓድሽ ፀብፃብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዓለም ለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ፀብፃቡ ከምዝበሎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብዝግባእ ኣግሊሁ ገሊፁ ምንባሩን ብፈላይ ተፃብኦታት ደው ንምባል ዓሊሙ ስምምዕ ሰላም እኳ እንተተካየደ ሐዚ እውን ግና ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ወገናት እናተፈፀሙ ከምዝርከቡ ሓቢሩ ።

ናይዚ መረጋገፂ ድማ ኢሉ ካብ ዘቅረቦም ሓሳባት ኣብ ትግራይ ብዘይምቁራፅ ዝፍፀሙ ዘለዉ ከበደቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀ ሓድሽ ፀብፃብ ገበናት ኩናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውንትን ከምዝተፈፀመ ምግላፁ እውን ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣመላከቱ እዩ።

እንተኮነ ግና እዚ ኩሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ይፈፀም ኣብ ዘለሉ እዋን ዕድመ ስልጣን ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ስርሑ ንምሕዳስ ወይ ንምክትታል ኣብ ጀነቫ ውሳነ ክቐርብ ድዩ ዝብል ንፁርነት የለን ክብል ዝገለፀ ዓለም ለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች እንተኮነ ግና ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀም ጥሕሰታት ሕጊ ብናፃ ንክምርመር ግዳያት ፍትሒ ንክረክቡን ድጋፉ ከጠናክር ከምዝግባእ እውን ፀዊዑ ።

*****************

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *