ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ እዋን ቁሉዕ ወራር ንዝተማረኹ ብምሕረት ለቒቑ።

ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምግምጋም ፓኔል ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘካየዶ መድረኽ ብዝተበፅሐ ምርድዳእን ብዝተቐመጠ ኣንፈትን መሰረት ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝነበሩ ውግኣት ብሰራዊት ትግራይ ተማሪኾም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ካብ ዝነበሩ እቶም 112 ወታደራት ምክልኻል ሃገር ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ሎሚ 13 መጋቢት 2016ዓ.ም ብምሕረት ተለቒቖም ኣለዉ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እዞም ሎሚ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምሕረት ዝተለቐቑ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቕድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሕረት ተዋሂብዎም ካብ ዝተልኣኹ 16 ሺሕ ወታደራት ብገበን ተጠርጢሮም ክፀንሑ ዝተገበሩ ምዃኖም ዘዘካከረ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ :ናይቶም ዝተረፉ ውሑዳት ድማ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ጉዳዮም ዝውዳእ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዚ ውሳንኡ ብመሰረት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበፅሐ ምርድዳእ መሰረት ዝተፈፀመን ከም ፅቡቕ መርኣያነት ዝተግበሮን እንትኾን ብወገን መንግስቲ ፌዴራል እውን ምስቲ ኲናት ብዝተኣሳሰረ ተፈሪዱሎምን ከይተፈረደሎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ህንፀት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ዝነበሩ ደቂ ትግራይ ዝጀመሮ ብምሕረት ናይ ምልቃቕ ተግባር ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኩሎም ንክፈተሖም ንፅበ ክብል እዉን ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮምንኬሽን ትግራይ ኣብ ዘዉፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *