
(ኤፍኤምመቐለ 15/12/2011)ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ካብ መሸጣ ጉልበተ ኤሌክትሪክ ልዕሊ 7 ነጥቢ 1 ብሊዮን ብር ብምእካብ ካብ ዝተለሞ 76 ነጥቢ 71 ሚኢታዊ ከም ዝዐወተ ኣፍሊጡ፡፡
ካብቲ ዝተረኸበ ኣታዊ ነቲ ግልጋሎት ዝህብ ትካል ዝበፅሖ 40 ሚኢታዊ ጥራሕ እንትኸውን እቲ ዝተረፈ 60 ሚኢታዊ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘቕርብ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝመሓላለፍ ተገሊፁ፡፡
ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ፋይናንሳዊ ዓቕሚ እቲ ትካል ንምዕባይ ካብ ምስራሕ ሓሊፉ ኣታዊ ከዕብይ ዝኽእል ሓደሽቲ ምምሕያሻት ከምዝተሰርሑ ተሓቢሩ ይብል ካብ መርበብ ሓበሬታ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡፡
0