ጋዜጣዊ መግለፂ ዉድብ ናፅነት ትግራይ

ብኣሻሓት ዝቁፅር ኣብ መዕቆቢ ዝርከብ ዝተሰደደ ህዝብና መዓልታዊ ኣደዳ ጥሜትን ሞትን ይከውን ብምህላዉ ብኩሉ ዓቅምና ሂወት ናይ ምድሓን ስራሕ ንስራሕ ክብል ውድብ ናፅነት ትግራይ ፃውዒት ኣቅሪቡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚድያን ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣይተ ገ/ስላሴ ካሕሳይ ከምዝበልዎ ኣብ ፀገም ዝርከብ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ብእዋኑ መሃይኡ ክክፈሎ ይግባእ ዝበለ ውድብ ናፅነት ትግራይ ሓረስታይ ህዝብና እውን ኣብ ዝከፈአ ፀገም ከም ዝርከብ ን ዛጊድ ናብ ትግራይ ኣትዩ ዘሎ ዘመናዊ ድኩዒ ብኣግባቡ ናብ ሓረስቶት ክባፅሕን ፃውዒት ኣቅሪቡ ።

ካብዚ ብተወሳኪ መንነትን ባህሊ ትግራይ ዝኮነ በዓል ኣሸንዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክባር ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ባህልካን መንነትካን ኣሕሊፍካ ነታ በቢግዚኡ እትጭፍጭፈካ ጠላም ሃገር ከም ምሃባን ነቲ ኣብ ልዕሌካ ዝፈፅመቶ ገበን ምርሳዕን ከም ዝኮነ ዝሓበረ ውድብ ናፅነት ትግራይ መንበረሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርተዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ዛጊድ ዝከደቶ ርሕቀት ኣዝዩ ዘሐብንን ከይዲ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ዘብስርን ከምዝኮነን ካልኦት ትካላት ሃይማኖት እውን ነዚ ከይዲ ኣብ ምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ ኢሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *