ጊዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዝርከቡ ወነንቲ ወልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ይዛተ’ሎ።

25 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ጊዝያዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዝርከቡ ወነንቲ ወልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ኣጀማምራ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ኣድሂቡ መድረኽ ዘተን ልዝብን የሰላስል ኣሎ።

ካብኔ ሴክሬተርያት ስግግርን ማሕበራዊ ግልጋሎትን ትግራይ ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂወት ኣፍቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ቅሉዕ ምፅናት ዓሌት ውግእ ኮነ ተባሂሉ ኣብ መሰረተ ልምዓት ትምህርትን ካልኦትን ዘድሃበ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተቋሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ 2016 ዓ.ም. ንምጅማር ሰፊሕ ምድላው ይግበር ኣሎ ዝበሉ ፕሮፌሰር ክንደያ ንዚ ንምዕዋት ንኣመራርሓ ትምህርቲ ስልጠና ካብ ምሃብ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሳለጥ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ምሕዋይ ዓወዲ ትምህርቲ ከም ተጋሩ ከመይን ብኸመይን ምትሕግጋዝ ከምዘድልዮ ብሰፊሑ ይዝተየሉ ከምዘሎ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣረጋጊፁ’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *