ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ግብሪ መሬት ሓረስታይ ዓመተ 2015 ዓ᎐ም᎐ ሙሉእ ምሕረት ኽግበር ወሲኑ።

በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ግብሪ መሬት ሓረስታይ ዓመተ 2015 ዓ᎐ ም᎐ ሙሉእ ምሕረት ኽግበር ፤ ካብ 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዓ᎐ም᎐ ንዘለዉ ዉዙፋት መዛግብቲ ሒሳብ ክሳብ 30 ሰነ 2015 ዓም ሪፖርት ንዝገበሩ ብዝኣመንሉ መሰረት ጥራይ ንኽኸፍሉ ፣ ናይ 2014ን 2015ን ድማ ኣብ ዉሽጢ 60 መዓልትታት ኦዲት ንኽግበር ዝገበሩን ንዝኸፍሉን ድማ ካብ ቅፅዓትን ወለድን ንፃ ንኽኸዉን ፣ ናይ ኣካራይን ተኻራይን መንበሪ ገዛ ክሳብ 30 ሕዳር ብሰናይ ድሌቶምን ብዝኣመኑሉን መሰረት ንዝኸፍሉ ካብ ወለድን ቅፅዓትን ነፃ ክኾኑ ፣ ከፈልቲ ግብሪ ማሽነሪታትን ተሽከርከርትን ድማ ፅንዓት መሰረት ተገይሩ ንኽኸፍሉ ዉሳነ ከምዝተመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስራሕ ዘይወዓለ ቫትን ቲኦቲን ንዘለዎም ማሕበረሰብ ነጋዶ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ናብ ዝኸፍሉሉ ናቑጣታት ልምዓት እቶት እንዳቐረቡ ሪፖርት ኽገብሩ እቲ ብዓል መዚ ንዘቕረቦ መፅናዕትን ሕድገትን መሰረት ገይሩ ካቢኔ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ ምዝታዩ ኣፅዲቑ ተግባራዊ ክኸዉን ወሲኑ ኣሎ።

ዝኸበርኩም ሰዓብቲ ማሕበራዊ ሚድያ 104᎐4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብዚ ዝተጠቐሱን ካልኦትን ዝርዝራት መብርሂ መሳርሕትና ጋዜጠኛ ትብለፅ መዓሾ ተኸታቲላቶላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያና ብድምፂ ከምዘለዎ ድሕሪ ዉሱን ሰዓታት ክንዝርግሖ ኢና። ክትከታተልዎ ድማ ኣቐዲምና ንዕድም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *