ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሕቶ መምህራን ንምምላስ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሐ ማሕበር መምህራን ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ንሚድያታት ኣብ ዝበተኖ ደብዳቤ ከምዝሓበሮ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ፕረዚዳንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየዶ መድረኽ ዘተ:-

👉ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ 5 ኣዋርሕ ውዝፍ ደምወዝ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክፍሊት ክፍፀም

👉ናይ 2014 ዓ.ም. ናይ 12 ኣዋርሕ ውዝፍ ደምወዝ ንምፍፃም ምስ ፌደራል መንግስቲ ምዝርራብ ይካየድ ከምዘሎን እወንታዊ መልሲ ምስረኸበ ተግባራዊ ክኸውን

👉ውዝፍ ክፍሊት ወለድ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ፍታሕ ኽግበረሉ

👉ጉዳይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ካብን ናብን ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓፀረ እዋን መፍትሒ ኽግበረሉ ፤ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ማሕበር መምህራን ትግራይ ምስ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዘካየዶ ዘተ ዕውት ከምዝነበረን ኔቐፃሊ’ውን ተመሳሳሊ ዘተ ንምክያድ መደብ ከምዝተትሓዘን ድሕሪ ምግላፅ መምህራን ብዝተረጋገዐ መንፈስ ስረሖም ንኽሰርሑ ምዒዱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *