01 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም
ሎሚ ባሕቲ ጳጉመን 2015 ዓ/ም ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ
* ኣብ ኣተገባብራ ከይዲ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያን ዘጋጥሙ ዘለዉ ማሕለኻታትን
* ብዛዕባ ምቕፃል ሰብኣዊ ሓገዝን ፣ ከመኡውን ንመሬት ትግራይ ወሪሮም ዝርከቡ ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ዝወፅእሉ ኣገባብን
* ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ህይወት ዝጅምርሉን
* ከምኡ እውን ብዛዕባ ዳግም ህንፀት ትግራይ ኣብዝብሉ ወሰንቲ ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም
* ሃገራት ዴንማርክ፣ ኖርወይን ኔዘርላንድን ከምኡውን ኣውሮፓ ሕብረት ብሓፈሻ ኣብ ዙርያ መለሽ ጉዳያት ዕዙዝ ኣበርክቶ እናተፃወቱ ከምዝመፁ
* ብቐፃሊ እውን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበርን ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃሞም ክፍፀሙን ብስፍሓት ምይይጥ ተገይርሉ እዩ ።
እቶም ኣምባሳደራት ልኡኽ ጉጅለ ፥
* ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ግብረራዊ ክኸውን ከምዝግባእ
* ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ’ውን ደገፍ ከምዝግብሩ ገሊፆም።
ኣብቲ ምይይጥ ብኣምባሳደር ዴንማርክ ኪራ ስሚዝ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራት ኖርወይ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ካውንስለር ኔዘርላድስን ከምኡ እውን ተወካሊ ኤጀንሲ ስግግር ሕርሻ/ ኤቲኤ/ ዝተኻተቱ ኮይኖም፤
ብወገን ትግራይ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፣ ሓላፊ ካቢነ ሴክሬታሪያት ስግግር ልምዓት ቁጠባ ኣይተ በየነ መክሩ፣ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ፣ እቶትን ምሕደራ ሃፍትን ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፣ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓት ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃን ቺፍ ካቢነ ሴክሬታሪያት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ተረኺቦም ክብል DW ፀብፂቡ ።
