ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይን ብኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራትን ዘትዮም።

01 ጳጉሜን 2015 ዓ/ም

ሎሚ ባሕቲ ጳጉመን 2015 ዓ/ም ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያ ኪራ ስሚዝ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራት ኣብ ዘካየድዎ ዘተ

* ኣብ ኣተገባብራ ከይዲ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያን ዘጋጥሙ ዘለዉ ማሕለኻታትን

* ብዛዕባ ምቕፃል ሰብኣዊ ሓገዝን ፣ ከመኡውን ንመሬት ትግራይ ወሪሮም ዝርከቡ ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ዝወፅእሉ ኣገባብን

* ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ህይወት ዝጅምርሉን

* ከምኡ እውን ብዛዕባ ዳግም ህንፀት ትግራይ ኣብዝብሉ ወሰንቲ ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም

* ሃገራት ዴንማርክ፣ ኖርወይን ኔዘርላንድን ከምኡውን ኣውሮፓ ሕብረት ብሓፈሻ ኣብ ዙርያ መለሽ ጉዳያት ዕዙዝ ኣበርክቶ እናተፃወቱ ከምዝመፁ

* ብቐፃሊ እውን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበርን ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ እጃሞም ክፍፀሙን ብስፍሓት ምይይጥ ተገይርሉ እዩ ።

እቶም ኣምባሳደራት ልኡኽ ጉጅለ ፥

* ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ግብረራዊ ክኸውን ከምዝግባእ

* ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ’ውን ደገፍ ከምዝግብሩ ገሊፆም።

ኣብቲ ምይይጥ ብኣምባሳደር ዴንማርክ ኪራ ስሚዝ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣምባሳደራት ኖርወይ፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ካውንስለር ኔዘርላድስን ከምኡ እውን ተወካሊ ኤጀንሲ ስግግር ሕርሻ/ ኤቲኤ/ ዝተኻተቱ ኮይኖም፤

ብወገን ትግራይ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፣ ሓላፊ ካቢነ ሴክሬታሪያት ስግግር ልምዓት ቁጠባ ኣይተ በየነ መክሩ፣ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ትልሚ፣ እቶትን ምሕደራ ሃፍትን ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፣ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓት ዶክተር ኢያሱ ኣብርሃን ቺፍ ካቢነ ሴክሬታሪያት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋን ተረኺቦም ክብል DW ፀብፂቡ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *