ጉዱኣት ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ዝግልገልሉ ፍሉይ ሆስፒታል ምህናፅ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ፅንዓት ማሕበር ሰብሞያ ጥዕና ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ቀዳማይ ዓመት ምስረታ እታ ማሕበር ንምኽባር ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ እዩ።

ስራሕ መካየዲ እታ ማሕበር ተጋዳላይ መልኣኩ ገብረሚካኤል ብውሑዳት ተጋደልቲ ዝተመስረተት ፅንዓት ማሕበር ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ፣ጉዱኣት ተጋደልትን ስድራ ስውኣትን ዝግልገልሉ ፍሉይ ሆስፒታል ንምህናፅ ዕላማ ሒዛ ከምዝተመስረተት ተዛሪቡ።

ዛጊድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ማእኸላት ሕክምና ንዝርከቡ ውጉኣት ተጋደልቲ ዝተፈላለዩ ደገፋት ከምዘተኣካኸበት ዝገለፀ ተጋዳላይ መልኣኩ፣ መብዛሕቲኦም ኣባላት ፅንዓት ማሕበር ሰብሞያ ጥዕና ትግራይ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ምዃኖም እውን ገሊፁ።

እታ ማሕበር ኣብ ማእኸላት ሕክምና ዝርከቡ ውጉኣት ተጋደልቲ ዝሓሸ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽብሉ ኩነታት ንምፍጣር ምስ ዝተፈላለዩ ለገስቲ ትካላት ምርድዳእ ትገብር ከምዘላ እውን ገሊፁ።

እታ ማሕበር ናብ ስራሕ ምእታዋ ዝነኣዱ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም፣ንምጥንካር እታ ማሕበር ምስ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ትካላትን ሰብ ውልቀ ሃፍትን ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

ካብ ኣካላት ፀጥታ ብተወሳኢ ካብ ማሕበረሰብ እውን ኣባላት ብምሑቋፈ ኣባላታ ክተስፍሕ ከምዝግባእ እውን እቶም ተሳተፍቲ ኣመላኺቶም’ለው ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *