ጉዱሳት ነበርቲ ሃገረ ስውዲን ድያስፖራ ተጋሩ 100 ሺሕ ዶላር ዝዋግኡ ናውቲ ሕክምና ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ለጊሶም፡፡

እቲ ማእከል ንህዝቢ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ይፅገም ብምህላው ነዚ ንምፍታሕ ዝዓለመ ሓገዝ ከምዝኾነ ተወካሊ እቶም ድያስፖራ ኣይተ ኣርኣያ ገ/ግዛብሄር ኣፍቲ እዋን ስነስርዓት ምርኽኻብ ንብረት ገሊፆም፡፡

እቶም ድያስፖራ ተጋሩ ዝተፈላለዩ ሕፅረታት ናውቲ ሕክምና ንምቅላል ጀሚሮምዎ ዘለው ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዳይሪክተር ዋና ሕክምና ዶ/ር ኣብርሃ ገ/ግዛብሄር ንቲ ብጉዱሳት ተጋሩ ንዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *