ጉዱሳት ተወለድቲ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ፍረወይኒ ቁሸት ማይ ተኽሊ ፣ ልዕሊ 240 ሽሕ ብር ብምትእኽኻብ ን14 ስድራ ስውኣት ሓጊዞም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ውሽጢ ዓድን ዝነብሩ ተወለድቲ ወረዳ ሓውዜን ጣብያ ፍረወይኒ ቁሸት ማይ ተኽሊ ፣ዘበርከትዎ ልዕሊ 240 ሽሕ ብር ፣ ኣብ ጎጥ ጉንዶ ንዝርከቡ 14 ስድራ ስውኣት ፣ ንሕድሕዶም 17 ሽሕን 400 ብርን ሓገዝ ተገይርሎም ኣሎ።

ነቲ ሓገዝ ዘተሓባበሩን ብኣካል ተረኺቦም ንስድራ ስውኣት ዘረከቡን ኣይተ ተስፋይ ሃ /ማርያም ከም ዝበልዎ ፣ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ሳላ ሓቢሩ ዝመከተ ፣ ካብ ዝተኣወጀሉ ፅንተት ብመስዋእቲ ደቅኹምን ኣሓትናን ድሒኑ እዩ ምስ በሉ ፣ እዚ ሎሚ ኣብ ርሑቕን ቀረባን ካብ ዝነብሩ ደቅኹምን ኣሓትኩምን ተረኺቡ ዝግበረልኩም ዘሎ ገንዘባዊ ሓገዝ ፣ካሕሳ ንዝተኸፈለ መስዋእቲ እንተይኮነስ ፣ ንስድራ ስውኣት ምሕጋዝን ምሕብሓብን ግቡና ምዃኑ ፈሊጥና እንገብሮ ከም ዘለናን ፣ ንቐፃሊ ውን ኣብ ጎንኹምን ኣብ ከባብያዊ ልምዓት ዓድናን ምህላውና ንምርግጋፅ ዩ ክብሉ ኣፍሊጦም።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ስድራ ስውኣት ብወገኖም ፣ኣብ ርሑቕን ቀረባን ትነብሩ ደቅናን ኣሓትናን ፣ ንፀገምና ብውነ ተገንዚብኩም ንዝገበርኩምልና ሓገዝን ሞራልን ክብረት ይሃበልና ክብሉ ምስጋነኦም ኣቕሪቦም ክብል ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *