ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ዘጓነፉዎም ኩሉ መዳይ

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ዘጓነፉዎም ኩሉ መዳይ ማሕለኻታት ብፅንዓት ብምስጋርን ኮቪድ-19 ከብፅሖ ዝኽእል ንዝነበረ ሓደጋ ንምክልኻል ብዘርኣይዎ ውሕሉል ኣመራርሓ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ንዝዳሎ ብሪጅ ሜከር ኣዋርድ 2020/Bridge Maker Award 2020/ ክዕውቱ ምኽኣሎም ልዑል ሓጎስን ፍናንን ከምዝተሰመዖም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም፡፡ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ንዚ ዝገለፁ ሐዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሕዎ ፅሑፍ’ዩ፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ፅሑፍ እንሆ! “ዝኸበርካ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኹሉ ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ዘጓነፉኻ ኩሉ ዓይነት ማሕለኻታት ብፅንዓት ብምስጋር፣ ኮቪድ-19 ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል ብዘርኣኻዮ ውሕሉል ኣመራርሓ፣ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝዳሎ ብሪጅ ሜከር ኣዋርድ 2020/Bridge Maker Award 2020/ ክትዕውት ብምኽኣልካ ዝተሰመዐኒ ሓበንን ኲርዓትን ክገልፀልካ ይፈቱ።በዚ ኣጋጣሚ ንመሉእ ህዝብና ናይ እንኳዕ ደስ በለና ሰናይ ትምኒተይ ክገልፅ ይደሊ። መናእሰይ ትግራይ እውን ኣሰር ዶ/ር ቴድሮስን ካልኦት ሰብ ብሉፃት ተሞኩሮን ብምስዓብ፣ ኣብ ዝተዋፈርኩምሉ ዓውዲ ብዝለዓለ ተወፋይነትን ድስፕሊንን ብምርብራብ ዝለዓለ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝካኣል ክንምሃር ይግባእ።”


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments