ድምቀት በዓል መስቀል ዝኾነ ዓብዪ ጉያ መስቀል ዓጋመ ተሳሊጡ።

16 መሰከረም 2016 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ )ኣብቲ ውድድር ብክልቲኡ ፆታ ደረጃ ንዝሓዙ ኣትሌታት ድማ ሽልማት ዝተበርከተሎም እንትኮውን ኣብቲ ዝተሳለጠ ዓብዪ ጉያ ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ደረጃ ዝወፁ ኣትሌታት ካብ ደቂ ተባዕትዮበሪሁ ባይራይ፣ረዳኢ በሪሁ ፣ኣሸናፊ ገ/ማርያም፣ክብሮም ጉዕሽ፣ ሃ/ማርያም በሪሁ እንትኾኑ ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተኽለካሕሳይ ፣ማህደር መለስ ፣ዮርዳኖስ ገ/ዚሄር፣ልዕልቲ ገ/ሂወትን መብርሂት ተስፋይን እየን።

እቲ ዝተኻየደ ዓብይ ጉያ መስቀል ብርክት ዝበለ ተሳታፋይ ዝነበሮ እንትኸውን ንፕረዚደንት ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢንያም ምሩፅ ይፍጠር ሓዊሱ ካልኦት ነባራት ኣትሌታት ተረኺቦም እዮም ክብል ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ፀብፂቡ።

***************************

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *