ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ይፍፅሙ ኣለዉ።

01 መስከረም 2016 ዓ/ም

ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሳራ ጃክሰን

*******************

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሳራ ጃክሰን ምስ ቴሌቭዥን ትግራይ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ፃኒሒት ኣብ ዝገበራሉ እዋን ከምዝበልኦ ሰራዊት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢ/ያ ብሓባር ኮይኖም ኣብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ፆታዊ ዓመፅ፣ ፆታዊ ባርነት፣ ካብ ፍርዳዊ ወፃኢ ዝፍፀም ቅትለት፤ ምጉሓልን ምዕናው ንብረትን ካልኦት ግፍዕታትን ሎሚ ይኹን ፅባሕ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡ ከምዘለዎም ሓድሽ ፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዘመላክት ኣረዲአን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መንጎ 25 ጥቅምቲ ክሳብ 1 ሕዳር 2022 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ካባቢ ማርያም ሸዊቶ ብውሕዱ 20 ሰለማውያን ወገናት ብቐንዱ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ፍርዲ ወፃኢ ከምዝተቐትሉ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ ካብ ሞት ዝደሓኑን ኣባላት ስድራቤትን ቃለ መሕትት ብምክያድ ኣረጋጊፁ እዩ ክብላ እውን ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሳራ ጃክሰን ተዛሪበን ።

ሳራ ጃክሰን ወሲከን ድማ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ እቲ ከባቢ ኣብ ማርያም ሸዊቶ ካብ ፍርዲ ወፃኢ ዝተፍፀመ ቅትለት ብስፍሓት ከምዘሎን ካብ ፍርዲ ወፃኢ ተፈፂሞም ዝበልዎም ልዕሊ 100 ኣስማት ሰባት ዝሓዘ ዝርዝር ሰኒዱ ኣቕሪቡ እዩ ክብላ ድሕሪ ምሕባረን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነዞም ኩሎም ጉዳያት ብናፃ ከረጋግፅ እካ እንተዘይከኣለ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕነት ዘተ ሰላም ግና ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዕስለ ደፊሮምን ፆታዊ ባርነት ከምዝፈፀሙን ዝገለፃ ምክትል ዳይሬክተር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሳራ ጃክሰን ካብዚ ሓሊፉ እውን ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ኮኮብ ፅባሕ ድማ 24 ሰለማውያን ወገናት ከምዝረሸኑ ሓቢረን እየን ።

****************

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *