ዴሞክራሲ ብውህብቶ ዘይኮነስ ብመስርሕ ቃልሲ ዝረጋገፅ ስለዝኾነ ንመሰልን መስርሕ ዴሞክራስን ብቃልሲ ንምርግጋፅ ሱታፌ ህዝቢ ክዓዝዝ ይግባእ ኢሎም።
ኣምባሳደር ወንድሙ ሐዚ ኣብ ኖርዘን ስታር “መድረኽ ፅላል ብሄራዊ ሓድነት ትግራይ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ተረኸቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ሲቪክ ማሕበረሰባት ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብኣግባቡ ኽጥቀማሉን ንቕሓተ ሕልነአን ኣበሪኸን ንኹለ መዳይ ስርዓተ ህንፀት ክተግሃ ከምዝግባእ ኣብሪሆም።
ዳይሬክተር ቦርድ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ አባ ጥዑም በርሀ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ትግራይ ሐዚ ‘ውን አብ ክባ ዋላ እንተሃለወት ግን ድማ ተስፋን ሓቦን ዝሓዘ ህዝቢ ዝወነነት ሰለ ዝኾነት እናሻዕ ብደቃ ክትብርኽ ከም ተጋሩ ሕብረትናን ሓድነትናን ምስጣም ወሳኒ’ዩ ኢሎም።
ኣፍቲ መድረኽ ካብ ኩለን ትካላት ሃይማኖት ዝተወከሉ መራሕቲ ሃይማኖት ፣ ተወከልቲ ስድራ ስወኣት፣ ሰብ መዚ መንግስቲ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይሳተፉ ከምዘለው ሜሪ ደሞዝን ሰምሃል መኮነንን ፀብፂበን።