17 መስከረም 2016 ዓ.ም
ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ኣብ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ላዕላዋይ ቤተ ክህነት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ሊቀ ጰጳስ ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መስቀል ንህዝቢ ትግራይን ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትናን ብትሕዝትኡ ኣዝዩ ዝተፈለየ ኮይኑ ህዝብና ገጢምዎ ካብ ዝነበረ ሓሳርን መንከራን ብውስኑ ተላቒቁ ሳላ ዝተረከበ ኣነፃራዊ ሰላም እንሆ ሎሚ እዚ ብዓል ብድሙቕ ኣገባብ ሃይማኖታዊ ትሕዝቱኡ ሓሊዩ ስለዝተኸበረ ኹሉኹም መእመናን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።