ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቛርን ኣክስዮን ማሕበር ሓድሽ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቛርን ኣክስዮን ማሕበር ምስ ኢትዮ-ቴሌኮም ብምርድዳእ ሓድሽ ዲጂታል ግልጋሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ትካል ልቓሕን ዕቛርን ልቃሕን ደደቢት ማሕበር ኣክስዮን ሙልጌታ ብርሃነ ገሊፃም።

እዚ ሓድሽ ዲጂታል ግልጋሎት ግዘን ጉልቦትን ካብ ምቁጣብ ብተወሳኪ ይብሉ ኣይተ ሙልጌታ ብርሃነ ቅርሺ ንምቅማጥ፣ ክፍሊት ንምፍፃም፣ ሒሳብ ንምፍላጥን ኣየር ስዓት ሞባይል ንምዕዳግ ወሳኒ ቴክኖሎጂ ምካኑ ኣረዲኦም እዮም።

ዋና ስራሕ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቛርን ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ ሙልጌታ ብርሃነ ወሲኮም ከምዝገለፅዋ ትካል ልቓሕን ዕቛርን ልቃሕን ደደቢት ማሕበር ኣክስዮን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዓስርተ ሸሞንተ ጨናፋራት እዚ ሓድሽ ዲጂታል ግልጋሎት ከምዝጀመረ ድሕሪ ምግላፃም ኣብ መላእ ትግራይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምር ተዛሪቦም።

ሕሉፍ ዕቛር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *