ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ቐረባ እዋን ናብ ስሩዕ ባንኪ ንምዕባይ ይሰርሕ ኣለኹ።”- ዋና ኣካያዲ ስራሕ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ።

ኣብ ቀረባ እዋን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ናብ ስሩዕ ባንኪ ንምስግጋር ይስራሕ ከምዘሎ

ኣካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ መሉጌታ ብርሃነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 84 ጨናፍር ግልጋሎት ኮር ባንኪንግ ይህባ ከምዘለዋን ተወሰኽቲ ጨናፍር ከም ዝተኸፈቱን ዝገለፁ ኣይተ ሙሉጌታ ፣ ደደቢት ‘ዋሌት’ ዝብል ሓዱሽ መተግበሪ ናብ ስራሕ ንምትእትታው ምንቅስቓስ ከም ዘሎ ወሲኾም ገሊፆም ።

ብቐፃልነት’ውን ብፍሉይ ኣብ ምዕባይን ምጥንኻርን ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ዘኽእል ስራሕ ክስራሕ ትልሚ ተታሒዙ ከም ዘሎን ኣብ ጉድኣት ኲናት ትግራይ’ውን ትኹረት ዝገበሩ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ምንቅስቓሳት ከምዝተጀመረ ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *