ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጲያ ብምትሕግጋዝ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ CBE ብር ክጅምር ተሰማሚዑ።

ትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ CBE ብር ንምጅማር ዘኽእሎ ውዕሊ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጲያ ተፈራሪሙ ።

ትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ እዚ እዋኑ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጲያ ብሓባር ኮይኑ ክሰርሕ ምኽኣሉ ንደንበኛታቱ ግዜን ገንዘብን ኣብ ምቑጣብ ልዑል ግደ ከም ዘበርክት ኣካየዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ነዚ ዕውትነት ‘ውን ማሕበረሰብ እቲ ትካል ክሰርሕ እዩ ኢሎም ።

ኣካየዲ ስራሕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኤልያስ ልሳነወርቅ ብወገኖም’ውን ኣመራርሓን ኣባላትን ትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደበት እዚ ቴክኖሎጂ ንምትእትታው ዝወሰድዎ ተበግሶ ብምድናቕ ንዕውትነት እዚ ስራሕ ከሳልጡ ኣገንዚቦም ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *