30 ነሓስ 2015 ዓ.ም
ኣብቲ መድረኽ ኣማሓደርቲ ጣብያ፣ ፀፅታን ኮማንደራትን፣ ኮሚኒቲ ፖሊስ፣ ዓቀብቲ ሕጊ ጣብያን ወረዳን፣ ዳያኑ ንኡሳት ኣብያተ ፍርዲ ጣብያ ከምኡ እውን ሓለውቲ ወረዳ ደኒ፣ ሰብ ሞያ ጣብያን ኣመራርሓ ወረዳን ከም ዝተሳተፉ ተሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ዘዘራረብናዮ ተሳተፍትን ሰብ ሞያ ወረዳን ጣብያን ከም ዝገለፁዎ፣ ደኒታት ብሰንኪ ዝነበረ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ልክዕ ከም ኩሉ ፍጡር ከቢድ ብርሰት ገጢሙዎም እዩ፡፡ ስለዚ ደኒ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ንሂይወታውያን ብፍላይ ድማ ንዓና ንደቂ ሰባት ዝህቦ ጥቕሚ ዘይግለፅን ብዘይ ደኒ ምንባር ኮነ ምቕፃል ስለ ዘይከኣልን ኩሉ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ከፊልና ናብ ንቡር ክምለሱ ክንሰርሕ ይግባእ ብምባል ንሕና ክንህሉ ደኒና ንሓሉ!! ንሕና ክነብር ደንና ነኽብር ብምባል ኣብ ዳግም ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ እጃምና ነበርክት ክብሉ ሓቢሮም።
ምክትል ዋና ኣማሓዳርን ሓላፊ ዘፈር ቁጣባ ወረዳ አሕፈሮምን ኢ/ር ሙሉጌታ ታረቀ ብወገኖም፣ መጀመርታ ኩሉ ማሕበረሰብና በዓል ዋና ደኒ ክኾን ብምእማን ብርሰት ደኒ ዝፅየፍ ማሕበረሰብ ምፍጣርን ወሳኒ እዩ። ቀፂልና አብ ሞንጎ ጣብያታት ዘለው ተመኩሮታት ብምግፋሕ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ዘሎ ዘይምምጥጣን ክፀብብ ምግባር፣ ልዕሊ ሕጊ ንዝኾነ ሰባት ድማ ብኣዋጅ ምሕደራ ደኒ መሰረት ብሕጊ ተሓታትነት ክሰፍን ብምግባር ገጢሙና ዘሎ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ምዝባዕ ናብ ንቡር ንክምለስ ምስራሕ ግዘ ዘይወሃቦ ጉዳይ እዩ፡፡
ስለዚ ጉዳይ ደኒ ጉዳይ ሓደ ቤት ፅሕፈት ዘይኮነስ ጉዳይ ኩሉ ማሕበረሰብ ምዃኑ ብምእማን ከምኡ እውን ኣካል እቲ ናይ ዳግም ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ምዃኑ ብምርዳእ ናይ ቀፃሊ ሂወት ደቂ ሰባት ሙሉእ ጥዕናን ውሕስ ዝናብን ንክረክብ ናይ ሓለዋ ደኒ ግንዛበና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣበሪኽና ክንሰርሕ ከም ዝግባእ ገሊፆም ኢሉ ሓበሬታን ርክብ ህዝብን ወረዳ አሕፈሮም።