ዩኒሴፍ ብ16 ሚልዮን ብር ወፃኢ ዝዓደጎም ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ተወካሊት ዩኒሴፍ ጨንፈር ትግራይ ኤልዛቤት ኦሞኒኮ ኣፍቲ እዋን ምርኽኻብ እቲ ሓገዝ ከምዝገለፀኦ እቲ ብ16ሚልዮን ብር ዝዋገኦም ዝተዓደጉ ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ብሓገዝ ተለጊሱ ዘሎ ፤ ኣብ ትግራይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምንካይ ዝሕግዙ’ዮም ኢለን።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ.ር ኣማንኤል ሃይለ ብወገኖም እቲ ካብ ዩኒሴፍ ተረኺቡ ዘሎ ሓገዝ ናብ 32 ትካላት ጥዕና ትግራይ ከምዝከፋፈል ኣፍሊጦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *